CupCut ንጀመርቲ - Free
ኣብዛ ኮርስ ፣ ካብካት ኣፕሊኬሽን ተጠቂምና ስእልታትናን ቪድዮታትናን ብ ኸመይ ኢዲት ንገብሮም ክንመርሃር ኢና።
01 መእተዊ
02 ካብካት ኢንተርፌስ
03 ካብካት ኢዲቲን ኢንተርፌስ
04.1 Exercise files ብኸመይ download ንገብሮም - Android
04.2 Exercise files ብኸመይ download ንገብሮም - Iphone
05 ቪድዮ፣ስእሊ ናብ ታይምላይን ብኸመይ ነምጽኦም
ካብካት ብ ቲክቶክ ዘዳለወ ካምፓኒ ዝተሰርሕት ኮይና፣ ጽቡቕ ነገራ ከኣ ብነጻ ምዃና እዩ። ኣብ ፕለይስቶር ን ኣፕስቶርን ብዘይ ክፍሊት ዳውሎድ ጌርና ኣብ ሞባይልና ፣ታብለት ከምኡ ውን ኣብ ኣይፓድ ክንጥቀመላ ንኽእል።
እዛ ኮርስ ከኣ ነዛ ኣፕሊኬሽን ካብ መጀመርታ ብዝቐለለ መንገዲ ከተርድኣና እያ። ብተወሳኺ እዛ ኮርስ ፕሮጀክት ቤዝድ እያ፣ ማለት ኢዲት ዝኾኑ ስእልታትን ቪድዮታት ከም ኤክሰርሳይስ ፋይልስ ኣዳልየ ኣለኹ፣ ብሓንሳብ ኢዲት እንዳገበርና ውድኣት ፕሮጀክት ክንሰርሕ ኢና። ደድሕረይ እንዳ ሰዓብኩምኒ እንተኬድኩም ብቐሊሉ ክርድኣኩም እዩ።
ነዛ ኮርስ ክትወስዳ/ዲ ላብቶብ ኣየድልን እዩ፣ ካብካት ካብ ፕለይስቶርን ኣፕስቶርን ዳውንሎድ ጌርና ኣብ ሞባይልና፣ ታብለት ወይ ኣይባድ ነዛ ኮርስ ክንወስዳ ንኽእል።
ነዛ ኮርስ ንምውሳድ ናይ ኢዲቲን ኣፍልጦ ኣየድልን እዩ፣ ምኽንያቱ እዛ ኮርስ ንጀመርቲ ስለ ዝኾነት ብዝቐለለ ኣገባብ እያ ተዳልያ ዘላ።
ኖ ኣይኮነን፣ እቲ ገንዘብ ሓንሳብ ምስ ከፈልኪ/ካ ንምልእታ እዛ ኮርስ እዩ።
እዛ ኣፕሊኬሽን ኣብ ፕለይስቶር ወይ ኣፕስቶር ብ ነጻ እያ ትርከብ፣ ካብኡ ዳውንሎድ ጌንርና ክንጥቀመላ ንኽእል ኢና።